Paulos Netabay (@pnetabay) 's Twitter Profile
Paulos Netabay

@pnetabay

Eritrean Journalist based in Asmara, Eritrea. Opinions are my own & Re-tweets are not endorsement.

ID: 1085093106792493059

calendar_today15-01-2019 08:35:31

2,2K Tweet

33,33K Followers

35 Following

Paulos Netabay (@pnetabay) 's Twitter Profile Photo

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን - ዶ/ር ካምል እድሪስ ዝመርሖ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ሚኒስተር ዜናን ዝርከብዎ ላዕለዋይ ልኡኽ ሱዳን፡ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም፡ ሎሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣስመራ ኣትዩ።

Paulos Netabay (@pnetabay) 's Twitter Profile Photo

ፕ/ት ኢሳይያስ ብቐ/ሚኒስተር ዶ/ር ካምል እድሪስ ንዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን፡ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ምሸት ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ። እቲ ዘተ፡ ኣብ ምድንፋዕ ክልተኣዊ ዝምድናን ግጭት ሱዳን ንምዕራፍ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪን ዘተኰረ ነይሩ።

Paulos Netabay (@pnetabay) 's Twitter Profile Photo

ብልጽግና፡ እቲ ኣብ ወልድያን ካልእ ከባቢታት ኣምሓራን ብፋኖ ዝወርዶ ዘሎ ዘሰምብር መጥቃዕቲ፡ “ምድፍፋእ ናይ ኤርትራን ህወሓትን ኣለዎ” ኢሉ'ሎ። ባዕልኻ ሓዊ ኣጒድካ፡ “የጉህሩለይ ኣለዉ” ኢልካ ካብ ምጥራዕ ንላዕሊ ዘሕፍር እንታይ ክህሉ ይኽእል?

Paulos Netabay (@pnetabay) 's Twitter Profile Photo

ቀ/ሚ ዶ/ር ካምል እድሪስ ንERINA ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንሕውነታውን ታሪኻውን ዝምድና ኤርትራን ሱዳንን ኣብ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላውን ቁጠባውን መዳያዊ ንምምዕባልን ኣቐዲሞም ዝተኸተሙ ስምምዓት ብምልኣት ንምትግባርን ከምዝስራሕ ኣረጋጊጹ።

Paulos Netabay (@pnetabay) 's Twitter Profile Photo

في جميع الأحوال، وقفت إريتريا بثبات مع الحق، ودعمت السودان بكل إخلاص. تُدرك إريتريا جيدًا أن المؤامرة التي تُحاك ضد السودان قد تستهدف جميع الدول الأفريقية، فرادى ومجتمعات. لذا، وبفضل موقعها الجغرافي والاستراتيجي وموقفها العادل، فإن لإريتريا دورًا محوريًا في معالجة هذا الصراع.

Paulos Netabay (@pnetabay) 's Twitter Profile Photo

ሻምፕዮን ኣፍሪቃን ተቐዳዳማይ ካዛኺስታናዊት ክለብ ኣስታናን - ሄኖክ ምሉእብርሃን፡ ኣብ ጃፓን ክካየድ ኣብ ዝቐነየ 3 መድረኻት ዘጠቓልል ‘ቱር ዲ ክዩሹ’፡ ናይ መድረኽ ዓወት ኣመዝጊቡን ቀያሕ ናይ ነጥቢ ማልያ ተዓዊቱን።

ብሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትሪን ኣቶ ነስረዲን መሓመድ ሳልሕ (ወዲ በኺት)ን ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣቶ ሓጎስ ገብረሂወትን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፡ኣብ ዖማን ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም ኣሎ።

The Nation (@thenation1993) 's Twitter Profile Photo

Eritrea 🇪🇷 The Nation: 🇪🇷 Abiy Ahmed’s Archive Dilemma 🇪🇹 “Not a cabinet… not a parliament… we couldn’t find any documents about Eritrean freedom or referendum.” Well, Prime Minister — because freedom wasn’t printed, it was fought. Shaebiya didn’t file for independence; it

Yemane G. Meskel 🇪🇷 (@hawelti) 's Twitter Profile Photo

PP's Assab/Hallucination Syndrome appears to be aggravating with time. Latest mutation revolves around, and invokes, "population density". Eritrea's Assab, we are told, is sparsely populated in comparison to the extremely high population density of Ethiopian cities and towns.

Paulos Netabay (@pnetabay) 's Twitter Profile Photo

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዕድመ ፕረዚደንት ዓብዱልፋታሕ ኣልሲሲ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም፡ ሎሚ ንግሆ ናብ ሪፓብሊክ ግብጺ ገይሹ። ፕረዚደንት ኢሳይያስን ፕረዚደንት ኣልሲሲን፡ ኣብ ምዕዛዝ ዝምድናታት ክዝትዩ'ዮም።

Paulos Netabay (@pnetabay) 's Twitter Profile Photo

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ፕረዚደንት ግብጺ ዓብዱልፋታሕ ኣልሲሲን፡ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድናታትን ምትሕግጋዝን ሓባራዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ዞባዊ ምዕባለታትን ዘትዮም።

Yemane G. Meskel 🇪🇷 (@hawelti) 's Twitter Profile Photo

Potemkin Party (PP) senior officials seem to have contracted a severe case of historical amnesia. In a bizarre and rather amusing announcement to the "House of Representatives" this week, the PP's leader stated that "he had scoured every archive in Addis Abeba - the Prime

Paulos Netabay (@pnetabay) 's Twitter Profile Photo

ብዕድመ ፕረዚደንት ዓብዱልፋታሕ ኣልሲሲ ኣብ ግብጺ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዝፍጽም ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ትማሊ 1 ሕዳር ምሸት ኣብ ዝተኻየደ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት‘እቲ ዓቢ ቤተ-መዘክር ግብጺ’ ተሳቲፉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዕድመ ፕረዚደንት ዓብዱልፋታሕ ኣልሲሲ ኣብ ሪፓብሊክ ግብጺ ዝገበሮ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዛዚሙ፡ ሎሚ 4 ሕዳር ሰዓት 2፡00 ድሕሪ-ቐትሪ ተመሊሱ።

Paulos Netabay (@pnetabay) 's Twitter Profile Photo

ብጻይ ሙሳ፡ 48 ዓመት ካብ ዕድመኡ ንሃገራዊ ዕላማ ዝወፈየ ሓርበኛ’ዩ። ኣብ’ቲ ዝጸንከረ ናይ ሕማሙ እዋን’ውን እንተዀነ፡ ተስፋ ሰኒቑ ተስፋ ዘስንቕ’ዩ ነይሩ። ከም ፋሉን ትምኒቱን ሓውዩ ክምለሰና እናተጸበና ግና፡ መርድእ መጺኡና። ብሰላም ዕረፍ!

Paulos Netabay (@pnetabay) 's Twitter Profile Photo

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ - ሚስተር ጉዋንግ ኮንግ፡ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ ኣዳራሽ ደንደን ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ።

Paulos Netabay (@pnetabay) 's Twitter Profile Photo

በሃር ስነ-ጥበበኛን ሓርበኛ ተቓላሳይን በረኸት መንግስትኣብ ባይሩ፡ ብ12 ሕዳር 2025 ኣብ መበል 84 ዓመት ዕድመኡ ተሰዊኡ። ስነ-ስርዓት ቀብሩ ፡ ሰንበት 16 ሕዳር ፍርቂ መዓልቲ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም’ዩ።